ዋህዮ መምህራን፡ ንዕቑበኛታትን ካልኦት ተሰደድትን ብምምሃር ዓብዪ ተመክሮ ብዘለዎምን፡ ነቶም ኣብቲ ወፈራ እተጠቐሱ ቴማታት ኣብ ነብሶም ብዝፈተኑን ዝቖመ እዩ። እቶም መምህራን ብዛዕባ ዝቐርቡ ነጥቢታት ሰፊሕ ፍልጠት ዘለዎም ኣብ ልዕሊ ምዃኖም፡ ኣብዚ ወፈራ‘ዚ ከገልግሉ ናይ እተዳለዉ መምሃሪ መሳርሒታት‘ውን እኹል መተኣታተዊ ተዋሂቡዎም እዩ።
ኣብ ነብሰ ወከፍ ኮርስ ክልተ ኣቕረብቲ ኣርእስቲ (መምህራን) ይህልዉ። ሓዲኦም ብዛዕባ ዝዝረበሉ ኣርእስቲ ዓብዪ ፍልጠትን፡ ንዝምልከቶም ተኻፈልቲ ንዝመስሉ (ኣባላት ንኡሳት ዓሌታት) ናይ ምምሃር ተመክሮን ዘለዎ እዩ። ነቶም ናይቲ ኮርስ ተኻፈልቲ ዝመስሎም መምህር ምህላዉ ሓጋዚ ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ እቲ ካልኣዩ ብመበቈሉ ኣባል ንኡስ ዓሌት እዩ።
ከምዚ ብምግባር፡ እቶም መምህራን ነቶም ብቐዳምነት ዝምልከቶም ተኻፈልቲ ኮርስ (ኣጋይሽ ወይ ኣብ ሃገር ዝጸንሑ ዕቑበኛታትን ካልኦት ተሰደድትን፡ ውሉዳቶምን፤ ሰብኡት፡ ኣንስቲን ንኡሳንን) ከራኽቡሎም ይኽእሉ።
ክልቲኦም መምህራን ንዝምህርዎን ፡ ንዝምህርዎምን ከም ዝሳማምዑ ኰይኖም ይጽመዱ።
We use cookies to ensure that we provide you with the best possible experience of our website. If you continue to use this site, we will assume you agree with it.