ናብ ሰማያዊ ኮርስ ንቐደም በሉ

ኣብ ሰማያዊ ኮርስ ንዝርከቡ ፊልምታት ኣብዚ ምርኣይ ይከኣል።

ሰማያዊ ኮርስ፣  ቁራጽ ፊልም 1.
ማዕርነትን ስራሕን

እዛ ቁራጽ ፊልም ኣብ መንጎ ሰብኡትን ኣንስትን  ኣብ ስራሕን ኣብ ማሕበረሰብን ብዛዕባ ዘሎ ማዕርነት ትነግር። ኣብኣ መወለዶም ሊባኖስ ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን፡ እታ ሰበይቲ ኣብ ስራሕ ንምእታዋ ከመይ ኢሎም ከም ዝለመዱ ይነግሩ። ምስራሓ ኣብ እታ ሰበይቲ ዝነበራ ተራን፡ ኣብ ምሉእ ቤተሰብን ስለ ዘምጽኦ ጥቕሚ ይነግሩ።

ሰማያዊ ኮርስ፣  ቁራጽ ፊልም 2.
 
ሓዳር

እዛ ቁራጽ ፊልም ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ መርዓን ፍትሕን ብዛዕባ ዘለውዎም መሰላትን ሓላፍነትን ትነግር። ኣብኣ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ኣብ ቀዲሙ ዝነበረ ሓዳራ ብዛዕባ ዘሕለፈቶ ማሕበራዊ ቁጽጽርን ጥቕዓትን ፤ ካብ ሰብኣያ ንምፍልላይ ሓገዝ ዝረኸበትሉ መንገዲን ትነግር።

ሰማያዊ ኮርስ፣  ቁራጽ ፊልም 3.
 
ኣተዓባብያ ቈልዑ

ኣብዛ ቁራጽ ፊልም ናይ ኣወዳትን ኣዋልድን ኣተዓባብያን ፡ ኣብ ናይ ደንማርክ ቅዋማት (ቈልዑ)፡ ቤት ትምህርታት፡ (ትምህርቲ ሞያ ዝወሃበሎምውን) ዘለውዎም ዕድላት ይግለጹ። ኣብኣ ሓንቲ ተወላዲት ፓኪስታን ዝዀነት ኣደ፡ ንኽትሰርሕ ደቃ ኣብ ቅዋም ቈልዑ ክተሓዙላ ብዛዕባ ምግባራ ትነግር። ኣብ መውዓል ቈልዑ ምእታዎም ኣብ ምዕባለኦም ብዛዕባ ዘለዎ ጠቕሚ እሳን ሓንቲ ፔዳጎግን ይነግራ።

ሰማያዊ ኮርስ፣  ቁራጽ ፊልም 4.
መሰላት ቈልዑን መንእሰያትን

ትሕዝቶ እዛ ፊልም ቈልዑ እናዓበዩ ኣብ ዝኸዱሉ ዝህለውዎም መሰላት እዩ። ኣብኣ ሓደ ወዲ፡ ሓንቲ ጓልን ኣደን፡ ኣደ ንጓላ ብዛዕባ ዝነበርዋ ጥብቕ ዝበሉ ሕጊታት ይነግሩ፤ ሕጂ ግን ከመይ ኢሎም ጓልን ሓዋን ብዝሕ ዝበለ ምትእምማን ዘለዎ ኣተሓሕዛ ክግበረሎም ከም እተሳማምዑ ይነግሩ።

ንጥራዝ መሰል ንማዕርነት ካብ ኣውሪድካ ብዛዕባ መሰላትን ማዕርነትን ደንማርክ ብተወሳኺ ከተንብብ ትኽእል።

ብዛዕባ ወፈራ መሰል ንማዕርነት ብተወሳኺ ኣብ ንብብ።

Vælg dit sprog / Choose your language

We use cookies to ensure that we provide you with the best possible experience of our website. If you continue to use this site, we will assume you agree with it.