ኣብ ብጫ ኮርስ ንዝርከቡ ፊልምታት ኣብዚ ምርኣይ ይከኣል።
ኣብ ብጫ ኮርስ ንዝርከቡ ፊልምታት ኣብዚ ምርኣይ ይከኣል።
እዛ ቁራጽ ፊልም ኣብ መንጎ ኣወዳትን ኣዋልድን ንዘሎ ማዕርነትን፣ ከም መንእሰያት መጠን ንዘለውዎም መሰላትን ትገልጽ። ኣብኣ ሓንቲ ጓል፣ ፍትሐኝነት ዝጐደሎ፣ ንሓዋ ካብ ዝወሃቡ ዝበዝሑ ሓላፍነታት ገዛ ይውሃብዋ ከም ዝነበሩን፡ እሳቶም ከኣ ንምዕባለኦም (ዕብየቶም) ከመይ ከም ዝትንክፉን ትነግር።
እዛ ቁራጽ ፊልም መንእሰያት፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ፊተ ፊት ወለዶም ንዘለውዎም መሰላትን፡ ወለዲ ኣብ ልዕሊ ደቆም ንዘለዎም ወሳንነትን ትገልጽ። ብድሕሪኡ ኣደን ሓውን ሓብትን ኣብ ዘለውዎ፡ ኣደ ንጓላ ብዛዕባ ዝነበርዋ ፍሉያት ሕጊታት ትነግር። ሕጂ ግን ክልቲኦም ምትእምማን ዘለዎ ኣተሓሕዛ ይግበረሎም ኣሎ።
እዛ ቁራጽ ፊልም መንእሰያት፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ትምህርቲን፡ ተግባራት ጊዜ ዕረፍትን ኣብ ምምራጽ ንዘለዎም መሰል ትገልጽ። ኣብ መወዳእታ 3 መንእሰያት ኣዋልድ ንልሙድ ጥሒሰን ኩዕሶ እግሪ ወይ ናይ ቃልሲ ስፖርት ብዛዕባ ምጽዋት ይነግራ።
እዛ ቁራጽ ፊልም ኣዋልድን ኣወዳትን፡ ኣብ ናይ ወሲብ ጉዳዮምን መጻምዲ ኣብ ምምራጽን ብዛዕባ ዘለውዎም መሰላት ትነግር። ኣብኣ ክልተ፡ ናይ ክልተ እተፈላለዩ ዓሌታት ኣባላት ዝዀኑ፡ ኣንጻር ድልየት ወለዶም ክምርዓዉ ብዛዕባ ምምራጾም ይነግሩ።
ንጥራዝ መሰል ንማዕርነት ካብኣውሪድካ ብዛዕባ መሰላትን ማዕርነትን ደንማርክ ብተወሳኺ ከተንብብ ትኽእል።
ብዛዕባ ወፈራ መሰል ንማዕርነት ብተወሳኺ ኣብ ኣንብብ።
We use cookies to ensure that we provide you with the best possible experience of our website. If you continue to use this site, we will assume you agree with it.