ብዛዕባ ወፈራ

ዓላማ

ናይዚ ዝካየድ ኣስተምህሮ ጠቕላሊ ዓላማ፡ ኣብ መንጎ ብመበቈል ኣባላት ንኡሳት ዓሌታት ዝዀኑ፤ ሰብኡት፡  ኣንስቲ፡  መንእሰያት ማዕርነት ከም ዝጉልብት፡ ኣሉታዊ (ዘይቅዱው) ማሕበራዊ ምቁጽጻር ግን ከም ዝጐድል ምግባር እዩ።

ብዛዕባ መሰላትን ማዕረነትን፡ ኣሉታዊ ማሕበራዊ ቁጽጽርን፡ ተወሳኺ ፍልጠት ምሃብ፡ ምስኡ እውን ምይይጥን ምስልሳልን ከም ዝፍጠር ምግባር፤ እዚ ከኣ፡ ናይ ንኡሳት ዓሌታት ኣባላት ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን፡ እቶም ንማዕርነት ዝዓግቱን፡   ኣሉታዊ ማሕበራዊ ምቁጽጻርን ኣብ መዓልታዊ ናብራኦም ኣብ ዘጋጠምዎም ከም መሳርሒ የገልግሎም ።  ስለዚ ዘይቅዱዋት ተግባራት ይጐድሉ።

እዚ ዝካየድ ኣስተምህሮ ንኣንስቲ ዝምልከት ዓላማኡ ኣብ ጉዳያት ናይ ባዕልኻ ትሕዝቶ ገንዘብ (ቁጠባ)፡ ፍትሕ፡ ዓመጽ (ጥቕዓት)፡ ወሲብ (ግብረስጋ)፡ ድንግልነት ወዘተጭቡጥ ፍልጠት ንዓኣተን ምሃብ፣ ኣንስቲ ብዛዕባ ኣሉታዊ ማሕበራዊ ቁጽጽርን ጉድለት ማዕርነትን ክማያየጣ ዘኽእለን መድረኽ ምፍጣር፣ ከምኡውን ደቀን ምስ ዝዓብዩሎም ኩነታትን ደረታትን ንዝተሓሓዙ ርእይቶታትን ተግባራትን ምትንካፍን፡ ካልኦት ምምዕባልን እዩ። እዚኣቶም ኣብ ልዕሊ ዕብየት ደቀንን ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ኣብ ዘቕርበሎም ዕድላትን ዘኸትልዎውን ይርኧ።

እዚ ዝካየድ ኣስተምህሮ ንሰብኡት ዝምልከት ዓላማኡ፡ ኣብ መንጎ ጾታታት ማዕርነትን፡ ማዕረ ዝዀኑ መሰላት ምህላዎም መሰረታውያን ጥሪታት ደንማርክ ምዃኖም ምጥቃስ እዩ። ካብዚኣቶም፡ ከም ኣብነት ፍትሕ፡ ትሕዝቶ ገንዘብ (ቁጠባ)፡ ሕገ ቤተሰብ፡ ኣብ ቤተሰብ ዓመጽ ክልኩል ምዃኑ፡ ንደረታት ወሲብ ዝምልከቱ መግለጺታት ምሃብ፣ ከምኡውን ኣቦነት (ኣቦ ዝህልዎ ተራ) ኣብ ደንማርክ ፍልይ ዝበለ ክኸውን ምኽኣሉ  ኣንስቲ ወጺኧን እንተሰርሓ፡  ሰብኡት ንዝመጽእ ረብሓ ክርእዩ ምኽኣሎም ወዘተከምኡ ከኣ ምጉዳል ኣሉታዊ ማሕበራዊ ቁጽጽር፡ እዞም ኮርሳት ዘስዕብዎ ጥቕሚ ክኸውን ይግባእ።

ዝምልከቶም (ጉጅለታት)

እዚ ዝካየድ  ኣብ ምሉእ ሃገር ንዝነብሩ፡ ብመበቈል ኣባላት ንኡሳት ዓሌታት ንዝዀኑ ዝቐረበ እዩ። ብሓፈሻ፡ እዚ ዝካየድ ዝምልከቶም ዓበይትን መንእሰያትን ዕቑበኛታትን ካልኦት ስደኛታትን ክነሶም፡ ናብ ደንማርክ ኣብ ቀረባ እዋን ዝመጹሞ፡ ኣብ  ትምህርቲ ቋንቋ ዘለዉ፤ ከምኡውን ኣብዚ ሃገር ንውሕ ንዝበለ ጊዜ ዝጸንሑ፡ ግን ብዛዕባ ማዕርነትን መሰላትን ደንማርክ ዘለና ፍልጠት እኹል ኣይኰነን ዝብሉ እውን እዮም።  ኣብ ታሕቲ ዝምልከቶም ጉጅለታት ምስ ዝሳማምዖም ኮርስ ተዘርዚሮም ይግለጹ።

እዞም ኮርሳት ኣብ ናይ ቋንቋ ቤት ትምህርታት፡ ኣብ ብጉዳይ ማዕርነትንኢንተግረሽንን ዝትንከፉ  ክለባትን፡ ማሕበራትን ኣብ ምሉእ ሃገር ክካየድ ተሓሲቡ ኣሎ። እዞም ኮርሳት ንኣባላትና የገድሱ  እዮም ዝብሉ ማሕበራት ኩሎም፡ ኮርስ ክእዝዙ (ክሕዙ) ይኽእሉ።

 

ኮርሳትን ኣመሃህራን

ንውፍዮም 5 እተፈላለዩ ኮርሳት እዮም፤ ኣብኣቶም ዝምህሩ ብቕዓት ዘለዎም ፡ ኣብ ምሉእ ሃገር ካብ ዝርከቡ ሰበ ሙያ እተመረጹ እዮም። ሙያዊ ፍልጠት ዘለዎም፡ ከምኡውን ኣርኣያ ክዀኑ ዝኽእሉ መምህራን ምርካብ ትኹረት ተገቢሩሎም። ኣብ ኩሎም ጉጅለታት መምህራን ናይ ሙያን ናይ ኣርኣያነትን ብቕዓት ክዛነቑ ተሃቂኑ እዩ።

እዚ ዝካየድ፡ ነቶም ተኻፈልቲ ዘድሊ ኮርስ ምምራጽ (ምእዛዝ) ከም ዝከኣል ኰይኑ እተዳለወ እዩ። እቶም ተኻፈልቲ በቲ መሰረታዊ ኮርስ ይጅምሩሞ፡ ብድሕሪኡ ከከም ንዝምልከቶም ተኻፈልቲ ዘገድስ ፍሉይ ትሕዝቶ ኣብ ዘለዎ ኮርስ ይቕጽሉ። ኣብ ቀጸልቲ ኮርሳት ነቶም ንተኻፈልቲ ዘገድሱ ቴማታት፡ ምስ ዓቕሞም ከም ዝሳማማዑ ኰይኖም፡ ዕሙቕ ዝበለ ምይይጥ ይግበረሎም።

መሰረታዊ ኮርስ ንዝምልከቶም ብሰፊሑ ዝቐርብ መባእታዊ (መእተዊ) ኮርስ እዩ። ኣብ ናይ ቋንቋ ቤት ትምህርታት ኣብ DU1ሞዱል 6 DU2ሞዱል 5ን ንዘለዉ ይቐርብ። ብናይ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮጳ ኣማዛዝና ደረጃ ክእለት ቋንቋ፡ ኣብ መንጎ A2 B1ንዝዀነክእለትዳንኛዘለዎምማለትእዩ።

ኣብዛ ኮርስ ኣብ ደንማርክ ብዛዕባ ዘለዉ መሰላትን ማዕርነትን፡ ከምኡውን እዚኣቶም ንነባሮ ደንማርክ እንታይ ትርጉም ከም ዘለዎም ይግለጹ፤ ክትዕውን ይግበረሎም። ናይ ሰብኡትን ኣንስትን፡ ኣብ ዕዳጋ ሸቕሊ፡ ኣብ ሓዳርን ኣብ ስድራን ዘለዉ ማዕረ ዝዀኑ መሰላትን ግዴታትን ዝዝረቡሎም ነጥብታት እዮም። ኣብ መንጎ ኣወዳትን ኣዋልድን ዘሎ ማዕርነት፣ ምስ ዕድመኦም ተተሓሒዞም ዝህልውዎም መሰላትን፣ ምስ ወለዶም ወይ ተሓለፍቶም ኣብ ዘለዎም ርክብ ዝህልውዎም ባዕልኻ ናይ ምውሳን መሰላትውን ይረኣዩ።

ሰማያዊ ኮርስ ኣብ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ኣብ መንጎ A2 B1ን ክበጽሑ ንዘኽእሎም ጊዜ ኣብ ደንማርክ ንዝጸንሑ ትቐርብ። ኣብ ደንማርክ ዳርጋ ኣጋይሽ ስለ ዝዀኑ ዝወሃቦም ትምህርቲ ማዕርነት መባእታዊ ይኸውን። እዚ ኮርስ ዝምልከቶም ኣካለ መጠን ዝዀኑ፣ ምርዑዋትን፡ ውላድ ዘለዎምውን፣ ኣባላት ንኡሳት ዓሌታት እዮም፤ ኣብዚ ኮርስ ንዓኣቶም ዝዀኑ እተመረጹ ቴማታት ኣለዉ። ካብኣቶም ኣብ ዕዳጋ ሸቕሊ፡ ኣብ ሓዳር ዘሎ ማዕርነት፡ ናይ ኣወዳትን ኣዋልድን ብማዕርነት ምዕባይ ይርከቡ።

ቀይሕ ኮርስ ኣካለ መጠን ንዝዀኑ፣ ምርዑዋትን ውሉድ ዘለዎምውን፣ ኣባላት ንኡሳት ዓሌታት ይቐርብ። እዚ ኮርሲ ኣብ ደንማርክ ንውሕ ንዝበለ ጊዜ ንዝነበሩ ተባሂሉ እተዋቐረ እዩ። ኣባላትዚ ጉጅለ ሓፈሻዊ ዝዀነ ፍልጠት ማዕርነትን መሰላትን ደንማርክ ኣለዎም። ይኹንምበር ኣጸቢቖም ናይ ምፍላጥ ድልየት ክህሎም ይኽእል። ስለዚ ከኣ ኣብዚ ኮርስ፡ ምስ መዓልታዊ ናብራ ስድራ ንዝተሓሓዙ ሕቶታት ማዕርነት ካብ እተፈላለዩ ጐኒታት ብዕምቈት ንርኢ። ካብ ኣብኡ ዝህልዉ ነጥቢታት ናይ ምንባይ ግዴታ፡ መዝነት ወላዲ፡ ፍትሕን፡ ናይ ቈልዑን መንእሰያትን መሰል ባዕልኻ ምውሳን እዮም።

ቀጠልያ ኮርስ ዝምልከቶም  ናይ መጠነኣካል መዝነት ዘይብሎም ወይ ዘለዎም (ዕድመኦም ካብ 18 ዓመት ዝተሓተ ወይ ዝለዓለ) ውሉድ ዘይብሎም፡ ዘይምርዑዋት መንእሰያት እዮም። እዚ ኮርስ፡ ናይ ክእለት ዳንኛ ደረጃኦም ኣብ መንጎ A2 B1 ን ዝዀነ፡  ብዙሕ ኣፍልጦ ማሕበረሰብ ንዘይብሎም ብመጠኑ ኣጋይሽ ንዝዀኑ መንእሰያት ዝቐርብ እዩ። ናብ ኣርእስቲ ማዕርነት ቅድሚ ምስጋር  መተኣታተዊ እዩ ፤ ኣብኡ ኣወዳትን ኣዋልድን፡ ትምህርቲን  ተግባራት ጊዜ ዕረፍቲን ኣብ ምምራጽ ዘለዎም ማዕረ ዝዀነ መሰል ይጥቀስ። ከምኡውን ህዝቢ ኣብ ዝራኸበሎም (ናይ ሓባር) ቦታታት ብዛዕባ ዝግለጹ (ዝረኣዩ) ጠባያትን ኣካያይዳን ይንገር።

ብጫ ኮርስ ውሉድ ንዘይብሎም፡ ዘይምርዑዋት መንእሰያት ኣባላት ንኡሳት ዓሌታት ዝቐርብ እዩ። እዚ ኮርስዚ ኣብ ደንማርክ ንውሕ ንዝበለ ጊዜ ዝነበሩ፡ ናይ መሰላቶምን ማዕርነትን መሰረታዊ ኣፍልጦ ሃልዩዎም፡ እሱ ኣብ ህይወቶም ንዝህልዎ ኣስተዋጽኦ ኣጸቢቖም ምርዳእ ንዝደልዩ እዩ። ኣብዚ ኮርስዚ ካብ ዝለዓሉ ነጥብታት ዕርክነት፡ ፍቕረኝነት፡ ባዕልኻ ምውሳን፡ ከምኡውን ኣብ ማሕበረሰብ ተሳትፎ ምግባር  ይርከቡ።

ከም ዝካየድ ዝገበረ (ዝገብሩ)

ንወፈራ መሰል ንማዕርነት  ተራድኦ ዕቑበኛታት ደንማርክን (Dansk Flygtningehjælp]  ኣልስ ሪሰርችን (Als Research) ንናይ ወጻኢ ጉዳይ ምኒስተር ክፍሊ ማዕርነት ብምውካል ኣዳልዮሞ። ነዚ ወፈራ ኣብ ምድላው ማዕከን ግፉዓት ዕቑበኛታት ፡ ናይ ተራድኦ ዕቑበኛታት ደንማርክ መርበብ ውህደት፡ ቦሊሶሺያልነት፡ ኣርት ዲረክተር ሳሻ የስፐርሰን፡  ቪንተርጎርድ ሚድያን፡  ወብ ቢሮ ዳይፍን  ተሓባቢሮም እዮም።

እዚ ወፈራ መሰል ንማዕርነት፡ ምስ ምጥሓስ ክብረት ንእተተሓዙ ግርጭታትን፡ ኣሉታዊ ማሕበራዊ ቁጽጽርን ንምክልኻል፡  ናይቲ ብመንግስቲ ዝወጸ መደብ ስራሕ 2016 ሓደ ክፍሊ እዩ።

ዝካየድ ኣስተምህሮ ኣብ ኣዋርሕ ጽድያ 2018 ተዳልዩ፤ ኣብ 2018-2020 ኣብ ግብሪ ክውዕል ተመዲቡ ኣሎ።

ንወፈራ ዝምልከት ሕቶ ኣብ ዝህሉ ትራኸቦ – info@rettilligestilling.dk.

 

Vælg dit sprog / Choose your language

We use cookies to ensure that we provide you with the best possible experience of our website. If you continue to use this site, we will assume you agree with it.