ናብ ቀይሕ ኮርስ ንቐደም በሉ

ኣብ ቀይሕ ኮርስ ንዝርከቡ ፊልምታት ኣብዚ ምርኣይ ይከኣል።

ቀይሕ ኮርስ ቁራጽ፣ ፊልም 1.
ማዕርነት ኣብ ዕዳጋ ሸቕሊ

ትሕዝቶዛ ቁራጽ ፊልምኣንስትን ሰብኡትን ኣብ ዕዳጋ ሸቕሊ ዘለዎም ማዕርነት፣ ዘለውዎም ቁጠባዊ መሰላትን፣ ኣብ ልዕሊ ሰብኡትን ኣንስትን ዝህልዉ ትጽቢታትን። ኣብኣ ተወላዶ ሊባኖስ ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ሰበይቲ ኣብ ስራሕ ንምእታዋ ብዛዕባ ምልማዶም፣ ኣብ ትሕዝቶ ገንዘቦምን ዕብየት ቈልዑን ብዛዕባ ዘምጽኦ ለውጢ ይነግሩ።

ቀይሕ ኮርስ፣ ቁራጽ ፊልም 2.-
ማዕርነት ኣብ ሓዳር

እዛ ቁራጽ ፊልም ብዛዕባ ኣብ ሓዳር ዘሎ ማዕርነት እያ፤ ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ፍትሕ ንዘለውዎም ማዕረ ዝዀኑ መሰላት ትገልጽ። ኣብኣ ክልተ ዳናውያን፡ ኣብ መንጎኦም ፍቕሪ ብዘይምህላዉ፡  ከመይ ኢሎም ፍትሕ ከም ዝመረጹ፤ብዛዕባ ሕጂ ዘለዎም ዕርክነት፤ ንናይ ውሉዶም ሓላፍነት ከመይ ከም ዝካፈልዎን ይነግሩ።

ቀይሕ ኮርስ፣  ቁራጽ ፊልም 3.
መሰላት ቈልዑን ኣተዓባብያን።

እዛ ቁራጽ ፊልም፡ ኣብ ኣተዓባብያ ኣዋልድን ኣወዳትን ንዘሎ ማዕርነትን፣ ምስ ዕድመኦም ናይ ዝዓብዩ መሰላትን ሓላፍነታትን ትነግር።
ኣብኣ ብሓንቲ/ብሓደ ፔዳጎግ ንምዕባለ ኣዋልድን ኣወዳትን ብዛዕባ ዝጠቅም ኣተዓባብያን፡ ኣብ ልዕሊ ቈልዑ ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ትጽቢትን ይንገር።

ቀይሕ ኮርስ፣  ቁራጽ ፊልም 4.
መንእሰያትን ነጻነትን (ንነብስኻ ምኽኣልን)

ትሕዝቶ እዛ ቁራጽ ፊልም መሰላት መንእሰያትን ምስ ወለዶም ተነጻጺሮም ዝህልዎም ነጻነትን እዮም። ኣብኣ ሓንቲ ምስ ጓላን ወዳን ክትዛረብ እንከላ፡ ብምኽንያት ዝነበራ ሓሳብ ( ስግኣት)  ኣብ ልዕሊ ጓላ ትርር ዝበለ ኣተሓሕዛ ከም ዝነበራ ትነግር። ኣደ ንጓላ ምትእምማን ዘለዎ ኣተሓሕዛ ክትገብረላ ከም ዘለዋ ተረዲኣ ሕጊታታ ቀይራ ኣላ።

ንጥራዝ መሰል ንማዕርነት ካብኣውሪድካ ብዛዕባ መሰላትን ማዕርነትን ደንማርክ ብተወሳኺ ከተንብብ ትኽእል።

ብዛዕባ ወፈራ መሰል ንማዕርነት ብተወሳኺ ኣብ ኣንብብ።

Vælg dit sprog / Choose your language

We use cookies to ensure that we provide you with the best possible experience of our website. If you continue to use this site, we will assume you agree with it.