ናብ መሰረታዊ ኮርስ ንቐደም በሉ

ኣብ መሰረታዊ ኮርስ ንዝርከቡ ፊልምታት ኣብዚ ምርኣይ ይከኣል።

መሰረታዊ ኮርስ፣   ቁራጽ ፊልም 1
ማዕርነት ኣብ ደንማርክ

እዛ ቁራጽ ፊልም ኣብ ደንማርክ ብዛዕባ ዘሎ ማዕርነትን፡ እሱ ኣብ ማሕበረሰብ ደንማርክን ኣብ ህዝቢ ዝራኸበሎም ቦታታትን ከመይ ብግብሪ ከም ዝግለጽ ትነግር። ኣብኣ፡ ማዕርነት ኣብ ህይወቶም ብዛዕባ ዘለዎ ትርጉም፡ ሰባት  ኣብ ጐደናታት ኮፐንሃገን ክነግሩ ይርኧ።

መሰረታዊ ኮርስ፣  ቁራጽ ፊልም 2.
ስራሕን ቁጠባን

ኣብዛ ቁራጽ ፊልም ኣብ ደንማርክ ሰብኡትን ኣንስትን ከም ዝሰርሑን፡ ኣብ ዕዳጋ ሸቕሊውን ማዕረ ከም ዝዀኑን ይግለጽ። ኣብኣ ተወላዶ ሊባኖስ ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይቲን ብዛዕባ ንናይ ደንማርክ ማሕበረሰብ ኣላማምደኦም ይነግሩ። ከምኡውን  ሰበይቲ ኣብ ስራሕ ብዛዕባ ምእታዋን ፡ ሰብኣይ እሳ ወጺኣ ንምስራሓ ከመይ ከም እተቐበሎን፣ ጠቓምነት እተገበረ ለውጥን ይነግሩ።

መሰረታዊ ኮርስ፣  ቁራጽ ፊልም 3
ሓዳርን ፍትሕን

እዛ ቁራጽ ፊልም ኣብ ደንማርክ፡ ሰብኡትን ኣንስትን፡ ኣብ ሓዳርን ኣብ ፍትሕን ማዕረ ዝዀኑ መሰላት ከም ዘለውዎም ትነግር። ኣብኣ ሓንቲ ሰበይቲ ብዘይ ፍቓዳ (ብእተዳለወ መርዓ) ንዘሳቐያ ከመይ ኢላ ከም እተመርዓወት፤ ብሓገዝ ሰበስልጣንን መርበብ ዕርክነታን /ሌላኣን፡  ከመይ ኢላ ፍትሕ ከም ዝረኸበትን ትገልጽ።

መሰረታዊ ኮርስ፣  ቁራጽ ፊልም 4
ቈልዑ፡ መስላትን ኣተዓባብያን

ትሕዝቶኣ፡ ኣብ መንጎ ኣወዳትን ኣዋልድን ዘሎ ማዕርነት፡ ከምኡውን ኣወዳትን ኣዋልድን ዘለውዎም መሰላት ሓደ ምዃኖምን፡ ሓደ ንዝዀኑ ሓላፍነታት ክህንጹ ከም ዘለዎምን እዩ። ኣብ ንቘልዑ ዝቖሙ ትካላት ደንማርክ ኣወዳትን ኣዋልድን ከመይ ኢሎም ብማዕርነት ከም ዝኹስኰሱን፣ ክልቲኦም ጾታትውን  ሓላፍነትን ማሕበራዊነትን ከም ዝመሃሩ ብሓንቲ /ብሓደ ፔዳጎግ ይንገር።

መሰረታዊ ኮርስ፣  ቁራጽ ፊልም 5
መንእሰያትን ነጻነቶምን

እዛ ቁራጽ ፊልም መንእሰያት ምስ ወለዶም ኣብ ዘለዎም ርከብ ንዘለዎም ( ባዕልኻ ናይ ምውሳን መሰልን፡ ብዝዓበዩውን ንዝህልውዎም መሰላት ትነግር። ኣብኣ፡ ሰብኣይን ሰበይቲን ኣንጻር ድልየት ወለዶም ንምምርዓው ብዛዕባ ምምራጾም ይነግሩ። ኣብ ሓዳሮም ሕጉሳት ምዃኖምን፡  ወለዶምውን ንመርዓኦም ከም  እተቐበልዎን ምስኣቶም ዘለዎም ርክብ ከም እተዓረየን ይነግሩ።

ንጥራዝ መሰል ንማዕርነት ካብኣውሪድካ ብዛዕባ መሰላትን ማዕርነትን ደንማርክ ብተወሳኺ ከተንብብ ትኽእል።

ብዛዕባ ወፈራ መሰል ንማዕርነት ብተወሳኺ ኣብ ኣንብብ።

Vælg dit sprog / Choose your language

We use cookies to ensure that we provide you with the best possible experience of our website. If you continue to use this site, we will assume you agree with it.