ኣብ መሰረታዊ ኮርስ ንዝርከቡ ፊልምታት ኣብዚ ምርኣይ ይከኣል።
ኣብ መሰረታዊ ኮርስ ንዝርከቡ ፊልምታት ኣብዚ ምርኣይ ይከኣል።
እዛ ቁራጽ ፊልም ኣብ ደንማርክ ብዛዕባ ዘሎ ማዕርነትን፡ እሱ ኣብ ማሕበረሰብ ደንማርክን ኣብ ህዝቢ ዝራኸበሎም ቦታታትን ከመይ ብግብሪ ከም ዝግለጽ ትነግር። ኣብኣ፡ ማዕርነት ኣብ ህይወቶም ብዛዕባ ዘለዎ ትርጉም፡ ሰባት ኣብ ጐደናታት ኮፐንሃገን ክነግሩ ይርኧ።
ኣብዛ ቁራጽ ፊልም ኣብ ደንማርክ ሰብኡትን ኣንስትን ከም ዝሰርሑን፡ ኣብ ዕዳጋ ሸቕሊ‘ውን ማዕረ ከም ዝዀኑን ይግለጽ። ኣብኣ ተወላዶ ሊባኖስ ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይቲን ብዛዕባ ንናይ ደንማርክ ማሕበረሰብ ኣላማምደኦም ይነግሩ። ከምኡ‘ውን ሰበይቲ ኣብ ስራሕ ብዛዕባ ምእታዋን ፡ ሰብኣይ እሳ ወጺኣ ንምስራሓ ከመይ ከም እተቐበሎን፣ ጠቓምነት እተገበረ ለውጥን ይነግሩ።
እዛ ቁራጽ ፊልም ኣብ ደንማርክ፡ ሰብኡትን ኣንስትን፡ ኣብ ሓዳርን ኣብ ፍትሕን ማዕረ ዝዀኑ መሰላት ከም ዘለውዎም ትነግር። ኣብኣ ሓንቲ ሰበይቲ ብዘይ ፍቓዳ (ብእተዳለወ መርዓ) ንዘሳቐያ ከመይ ኢላ ከም እተመርዓወት፤ ብሓገዝ ሰበስልጣንን መርበብ ዕርክነታን /ሌላኣን፡ ከመይ ኢላ ፍትሕ ከም ዝረኸበትን ትገልጽ።
ትሕዝቶኣ፡ ኣብ መንጎ ኣወዳትን ኣዋልድን ዘሎ ማዕርነት፡ ከምኡ‘ውን ኣወዳትን ኣዋልድን ዘለውዎም መሰላት ሓደ ምዃኖምን፡ ሓደ ንዝዀኑ ሓላፍነታት ክህንጹ ከም ዘለዎምን እዩ። ኣብ ንቘልዑ ዝቖሙ ትካላት ደንማርክ ኣወዳትን ኣዋልድን ከመይ ኢሎም ብማዕርነት ከም ዝኹስኰሱን፣ ክልቲኦም ጾታት‘ውን ሓላፍነትን ማሕበራዊነትን ከም ዝመሃሩ ብሓንቲ /ብሓደ ፔዳጎግ ይንገር።
እዛ ቁራጽ ፊልም መንእሰያት ምስ ወለዶም ኣብ ዘለዎም ርከብ ንዘለዎም ( ባዕልኻ ናይ ምውሳን መሰልን፡ ብዝዓበዩ’ውን ንዝህልውዎም መሰላት ትነግር። ኣብኣ፡ ሰብኣይን ሰበይቲን ኣንጻር ድልየት ወለዶም ንምምርዓው ብዛዕባ ምምራጾም ይነግሩ። ኣብ ሓዳሮም ሕጉሳት ምዃኖምን፡ ወለዶም‘ውን ንመርዓኦም ከም እተቐበልዎን ምስኣቶም ዘለዎም ርክብ ከም እተዓረየን ይነግሩ።
ንጥራዝ መሰል ንማዕርነት ካብኣውሪድካ ብዛዕባ መሰላትን ማዕርነትን ደንማርክ ብተወሳኺ ከተንብብ ትኽእል።
ብዛዕባ ወፈራ መሰል ንማዕርነት ብተወሳኺ ኣብ ኣንብብ።
We use cookies to ensure that we provide you with the best possible experience of our website. If you continue to use this site, we will assume you agree with it.